Top Songs By Korchach
Similar Songs
Lyrics
ባዶ'ዩ,,,ባዶ,,,ባዶ,,,ባዶ
ኣዳም ብዘይ ሄዋን,,,
ከም ዓንዲ ኣልቦ ኣጉዶ
ጸኒዖ ደው ክብል,,,ጋዶ
-----//-----
ኣዳም ፍጡር እዝጊ,,,
ካብ ሰብ ዘይተወልደ
ሄዋን 'ተዘይትፍጠሪ,,,
ብጽምዋ ምዓበደ
ፈጣሪ ተዓዚቡ,,,
ዘይምሉእ ምዃኑ
ደገፍ ጎኑ ክትኮኒ,,,
ፈጢሩኪ ካብ ጎኑ
-----//-----
ድንቂ-ጥበብ ስለሴ,,,
ተሓሪኺ ክትወርሲ
ኣብ ቅዱስ ማህጸንኪ,,,
ኣዳም ክተክል ፈልሲ
ፍረ ዘርኡ ከተሕፍሲ
ብትኣምር 'ተፈጥረ ግን,,,
ካብ ነብስኺ ነብሲ
እዝጊ 'ይፈቐደሉን,,,ዉሉድኪ
ንዓኺ ክሃሲ
-----//-----
'ተተመለኽክለይ,,,
ሰብእይ ብምዃነይ
ማዕረኺ ኣይኮንኩን,,,
ዕጽፈይ'ኺ ሄዋነይ
-----//-----
ጠኒስኪ ትሓረሲ
ኣብ ትሽዓተ ወርሒ
ሓንቲ ክንስኽስ,,,
ብዕጽፊ ትረብሒ
------//-----